ኤርትራዊያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ’ቲ በብከተማታቶም ዝገብርዋ ዘለውወፈያ ልዕሊ 100 ሽሕ ፓውንድ ንማዕከን መከተ ኮሮና ቫይረስ ኣታዊ ጌሮም

ኣብ ባንክ ሕሳብ ኣታዊ ዝኾነ፡ ኣብ ዓሰርተ መዓልታት ዝተወፈተየ፡ ብማእከላይ ገምጋም 10.000£ ንመዓልቲ ዝውሕዝ ዘሎ፡ መግለጺ ፍቕሪ ኤርትራውያን ዓባይ ብሪጣንያ!

“ኤርትራዊያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ዘሓብን ወፈያት
ንምስሳን ማዕከን መከተ ኮሮና ቫይረስን ንድሕነት
ህዝብን ሃገርን ይገብሩ’ለው”
*********************
ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ምስ ዘሎ ድሩት ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ንዝግበር ዘሎ ሓያል ወፈያታት ፥ ጽቡቅ መረዳእታ ንክህልወኩም ምስ ኣባል ሓይሊ ዕማም –

ንመከተ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ምስ ብጻይ ሃቦም ዝተገብረ ሓጺርን ኑጹርን ቃለ መሕተት እንሆ።

እዚ ዛጊት ኣብ ሕሳብ ባንኪ ኣትዩ ዘሎ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ፓውንድ ነቲ ኣብ መላእ ከተማታት ዓባይ ብሪጣኒያ ብኤርትራዊያን ዝግበር ዘሎ ወፈያታት ከም ዘየጠቃልን
ምስ ተጻፈፈ ከም ዝሕበር ኣቶ ሃቦም ገሊጹሎ።

ሰናይ ምክትታል

ብቁሉጡፍ ገንዘባዊ ሓገዝኩም ንምብርካት ኣብ ሲዒቡ ቀሪቡልኩም ዘሎ ሕሳብ ባንኪ ብዝቀለለ ከተበርክቱ ትክእሉ ኢኩም።

“ሕሳብ ባንኪ”
***********
* Bank Account Details @Lloyds Bank:
* Account number: 64520360
* Sort Code: 30-98-97
(Account name: Eritrean Youth Association)
Eritreans in the UK Fights COVID-19

ሓይሊ ዕማም መከተ ኣንጻር ኮሮና
ቫይረስ ኮቪድ 19 “ዓባይ ብሪጣኒያ”

1 thought on “ኤርትራዊያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ’ቲ በብከተማታቶም ዝገብርዋ ዘለውወፈያ ልዕሊ 100 ሽሕ ፓውንድ ንማዕከን መከተ ኮሮና ቫይረስ ኣታዊ ጌሮም

Comments are closed.

Translate »