ارترين في المهجر يتبرعون بالمال والعتاود لمحربة
ዘለናዮ ግዜ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ፡ ብኣልማማ የጥቕዐን ህይወት ኣሽሓት ደቒ ሰባት ይቐዝፍን ይወስድን ምህላዉ ኩልና ንከታተሎን ንዕዘቦን ዘለና ሓቒ እዩ ።
ከም ህዝብን ሃገርን ኣባና ውን ፍሉይ ኩነት ከም ዝህሉ ተረዲእና “ሓባራዊ ብድሆ፡ ብሓባራዊ ኣበርክቶ” ብዝብል ቴማ ዝወጸ ወፍሪ ዕማም ፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማምን ሚ/ሪ ጥዕናን ኤርትራ ንሕማም ኮቪድ-19 ካብ ኤርትራ ንምጥፋእ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዝሕግዝ ገንዘባውን ንዋታውን ኣበርክቶኹም ኣብዚ ቐዛፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ (COVID – 19 ) ዓቢ ትጽቢት ይግበረልኩም ኣሎ ። እዚ ጻዊዒት ብፍሉይ ዝተደለኽምሉ ምኽንያት ብቀረባን ፡ ኣብኢ ከባቢ ብምህላውክምን ፡ብዙሕ ኣክሰስ ስለ ዘለኩምን ፡ ብገንዘብ ኮነ ብንዋት ኣገዳሲ እትብልዎም ንህዝብና ኣብዚ ሳዓት ይጠቕም”ዩ እትብልዎ ፡ ብባሕርን መሬትን ፡ ነዚ ምቑሉል ህዝቢ ክንሕግዝን ኢደ ኢድካ ክንብህሃልን ይጽውዕ ።
ሓፋሽ ህዝብና ደጊሙ ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ !
Fight COVID-19 in Eritrea




















