ሽማግለ በዓላት ብሪጣንያ: ቀዳም ዕለት፥ 21-05-2022 – ጽምብል በዓል ናጽነት፥

ሙሉብርሃን በርሀ ኣቦመንበር ሽማግለ በዓላት ብሪጣንያ “

ብሰንኪ ዝተፈጥረ ሕማቕ ኩነታት፥ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊያን በዓላትና
ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዝኾነ ብኣካል ክንራኸበሎም ዝግብኡና ኣጋጣሚታት’ውን ተኣጊድና ከም
ዝጸናሕና ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ” ድሕሪ ምባል “

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ዝጸንሑ እገዳታት ተላዒሎም ምትእኽኻብ ተፈቒዱ ስለዘሎ፥ ንሕና’ው’ን ናብ
ኣቐዲሙ ዝነበረና ንቡር ኩነታትና ክንምለስ ከምዘለና ብኩላትና ርዱእ ኮይኑ ከምዘሎ
ኣይንጠራጠርን።
ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝተራእዩ ንሃገርና ዘርብሑን ንመስመርና ዘሐይሉን
ፖለቲካዊ ለውጥታትን ዓበይቲ ዓወታትን፣ ብሓባር ተራኺብና ብግቡእ ዮሃና ከይተብሃሃልናሎምን
ብሓባር ከይዘተናሎምን ተወዚፎም ከምዘለዉ ርዱእ ኮይኑ፣ ዘለናዮ ትስፉው ኩነታት ተጢቒምና
ካብቶም ቅድሚ ኮሮና እነካይዶም ዝነበርና በዓላት ንላዕሊ ብዝበረኸን ዝደመቐን ናይ ዮሃና
ስምዒትና ክንገልጸሎምን ክንዝተየሎምን ናይ ኩላትና ድልየት ምኻኑ ዱእ እዩ።”

በዓል ናጽነት ብዝምልከት ድማ ብከምዚ ዝስዕብ ክበዓል ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ርእሰ ኩለን ሃገራዊያን በዓላትና ዝኾነ ክቡር ዕለት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፥
ንምኽባርን ምጽምባልን፥ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ወይ ሰሙን ጥራይ ከይተደረትና፥ ካብ ቅነ ናጽነት
ሓሊፍና ብደረጃ ወርሒ ናጽነት ክንሕዞ፥ ” ግንቦት ወርሒ ናጽነት ልኡላውነትን ኤርትራ ”
ብዝብል ኣምር ኣብ ምድላው መደባት ንርከብ።
እዚ ባይታኡ ኣብ ከተማ ሎንዶን ድኣ ይኹን እምበር፥ ከተማታት’ውን ኣብ ርእሲ ናይ በዓል
ናጽነት መደባተን፥ ንክሳተፍኦ ጻዕርታት ክካየድ እዩ።
እቲ ዝጻፈፍ ዘሎ መደብ ዳርጋ ኩለን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ወርሒ ግንቦት (May weekends)
ኮይኑ ዝርዝራቶም ብደረጃ ንድፊ ብከምዚ ዝስዕብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣብ ቀጻሊ እናተጻፈፈ ኣብ
ዝመጸሉ እዋን ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ እናተዋህበ ክቕጽል እዩ።

 ቀዳም ዕለት፥ 21-05-2022 – ጽምብል በዓል ናጽነት፥

እታ ዓባይ መዓልቲ 24 ሰሉስ መዓልቲ ትውዕል ብምህላዋ ኩነታት መነባብሮ ኣብ ግምት
ብምእታው፥ ከምቲ ዝተለምደ ህዝቢ ካብ ስራሕ ኣብ ዘዕርፈሉ መወዳእታ ሰሙን (week end)
ስለዝግበር ንዕለት ቀዳም 21 ግንቦት ክብዓል መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ቦታ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቀጻሊ እንገብረሉ ዝጸናሕና ቦታ ሃሮው ኮይኑ ኣድራሻ፡
Harrow Leisure Centre, Christchurch, HA3 5BD እዩ።

ሰንበት ዕለት፥ 01-05-2022 ካርኒቫል (Carnival)

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መደባት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጽምብል ናጽነት፥ ኣብ ትሕቲ ባንዴራይ
ኣምበልብሊ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ሰልፊ መካይን ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፥
ኣብዚ ዓመትዚውን፣ እቲ መደብ ብዝሓሸን ዝሰፍሐን ኣዋዳድባ ተወዲቡ ብደረጃ ካርኒቫል ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ሰልፊ መካይን ኣብ ኩለን ከተማታት ክካየድ እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ሎንዶን ዝካየድ ``ባንዴራይ ኣምበልብሊ`` ሰልፊ መካይን ድማ ናብ ዝሰፍሐ መደብ ብምስግጋር፥ ካብ ሎንዶን ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ብዘሳትፍ ኣገባብ ብደረጃ ካርኒቫል ተወዲቡ ክውዕል መደብ ተታሒዙ ኣሎ ። ሰልፊ መካይን ዝጅመረሉ ቦታን ሰዓታትን፥ ንውዳበ ካርኒቫል ዝምልከት ምሉእ ሓበሬታን ምስተጻፈፈ ንህዝቢ ክሕበር እዩ። ካርኒቫል 2022 ንኣሽቱን ዓበይትን ናይ ውልቅን ትካላትን መካይን ዘሳትፍ መደብ ብምዃኑ ኤርትራዊያን ትካላት፥ ትካሎም ዘቃልሕሉ ሰሌዳታት ኣብ መካይኖም ክሰቕሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ በዚኣጋጣሚዚ ክንሕብር ንፈቱ።

ቀዳም ዕለት፥ 14-05-2022 – በዓል ናጽነት ምስ ኣዕሩኽ ኤርትራ (Friends of Eritrea)

ኣብ ግዜ ብረታዊ ገድልና ኣስተዋጽኦ ዝነበሮም፥ ኣብ እዋን ናጽነት ምሳና ዝተሓበበሩን ኣዕሩኽ
ኤርትራ ብኣምበሳደር ናይ እንግዶት ዕድመ ክግበረሎም እዩ፥ ምስ ኣምበሳደርን ዓበይቲ ዓድን
ናይ ማሕበረ ኮማት ሓለፍትን ኮይኖም በዓል ናጽነት ከብዕሉ እዮም።

ቀዳምን 28-05-2022 ስፖርት፥

መደምደታ መደባት በዓል ናጽነት ስፖርት ክኸውን እዩ፥ ካብ ኩለን ከተማታት ብሪጣንያ
ዝተዋጽኣ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታት ዝሳተፍኦ፥ ዋንጫ ናጽነት 2022 ኣብ ብሪጣንያ መን ዓተረ
ግጥም (Tournament) ክካየድ እዩ። ድሕሪ ጸወታ ንዝስዓራ ጋንታት ብልጫ ንብሉጻት ተጻወትቲ
ድማ መዳልያታት ዝዋሃበሉ መደብ ክህሉ እዩ። ምሸት ድማ ባህላዊ ምሸት ብምድላው ወርሒ
ግንቦት 2022 ብወግዒ ክትፋኖ እያ።

Translate »