ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ኣብ ኣብ ክክባቢኦን ዘለዉ ኤርትራውያን ክረድኡን ክሕግዙን ተበገሶም
“ሓድሕዳዊ ሓሊዮትን ምትሕግጋዝን
ኤርትራዊነት ደሚቁ” ከሙኡ’ዩ ባህልና
*****************************
ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዘለናዮ እዋን ዘርእይዎ
ፈታኒ እዋን ኣካል ናይ
ቲ ንዘርእይዎ ዘለው ሓድሕዳዊ ሓሊዮትን ምትሕግጋዝን
ንኩሉኩም ነበርቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣገዳሲ ሓበሬታ”
ካብ ቤት ጽሕፈት ኤንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ
******************************************
ኩልና ፈሊጥናዮ ከም ዘለና ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብቁልጡፍ እናተላበዐ ይመጽእ ብምህላው ብዛዕባ ንምክልካሉ ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቄታት መግለጺታት ሓበሬታታትን ክውሃብ ምጽንሑ ኩልና እንፈልጦ’ዩ።
ኣብ ከተማ ለንደን ጥራይ ኣብ 35 ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ዛጊት እዚ ቫይረስ ትራእዩ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ዘረድኣና ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቀን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝና ከነዕቢ ብሙኳኑ ፥ ኣካል እቲ ንድሕነት ዜጋታት ብኤንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ክካየድ ዝጸንሓ ሓያል መነቃቅሒ ትምህርታዊ ሓበሬታ –
እንሆ ሕጂ ውን ብሓሊዮት ኢንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ፥ ስድራቤታት ፥ ብዕድመ ዝደፉኡ ብሓፈሻ ዜጋታት ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝተኣሳሰር ጸገም ምስ ዝህልዎም እንታይ ክገብሩ ከም ዝክእሉን –
ብተመሳሳሊ ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ካብ ክረክብዎ ዝግባእ ሕክምናዊ ረድኤትን ካልእን ሓገዝን ንከይትርፉ ከይሽገሩን ምስ ዝምልከቶ ኣካላት ጥዕናን ካልእን –
ትራኪቦም ዘለዎም ጸገም ከረድእሎምን ዘድሊ ሓገዝን ንክረክቡን መታን ክክእሉ
እዞም ቀጺሉ ኣስማቶምን ቁጽሪ ሞባይሎም ተጠቅሶም ንዘለው ከይተሰከፍኩም ብምድዋል ክትረክብዎምን ክትሓጋገዝኩምን ተዳሊዮም ኣለው።
ሚካኤል ያቆብ: 07397537086
ዳሊያ ስሌማን: 07495 271217
ደሊና ተድሮስ : 07850 291339
ሄለን ሄኖክ : 07932931782
መርሃዊት ገብረ: 07903084160
ኣስመረት ሃይለ: 07702 595676
እዛ ጉጅለ ናይ ብናይ ቴሌፎን ርክብ እተሳልጥ ጥራይ ኮይና ንመላእ ዓባይ ብሪጣኒያ ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ኣገልግሎት ትህብያ።
ሓገዝ እትህብን ድሃይ እትፈልጥን
ጉጅለ ኣብ ከተማ ለንደን
*^*****************
ብዕድመ ንዝደፉኡ ኣቦታት ኣዴታት ጹጉማት ስድራቤታት ኣስፔዛ ይኩን ካልእ ዘድሊ እትልኣክን እትትሓጋገዝን ንዝተጸገሙ ድሃዮም እትፈልጥን እትከታተልን ጉጅለ ክትረክብዋ ምስ ትደሊዩ በዚ ዝስዕብ ደውሉ ዘድሊ ቁልጡፍ ሓገዝን ምትብባዕን ክትረክቡ ኢኩ።
ሙሴ በራኪ: 07939063620
ሰናይት በይን: 07955249389
ብርሃነ ማና: 07539178643
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ሸፊልድ ፥ ኒውካስል ፥ በርሚንግሃም ፥ ማንችስተር ፥ ሊድስ ፥ ኮቨንተሪ ፥ ነቲንግሃም ወዘተ. . ዝርርዝር ትራከብዎም ጉጅለታት ምትሕግጋዝ በብከተሙኡ ከነስዕበልኩም ኢና።
ብተወሳኪ ቆንስላዊ ጉዳያት ንህጹጽ ጉዳያት እንተ ዘይኮይኑ ዝህቦ ኣገልግሎታት ኣወንዚፉ እንተሎ ምስ ናይ ኮሮና ቫይረስ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ምስ ዘድሊየኩም ምስ ትድውሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ክትሓባር ቁሩብ ምህላው ኣፍሊጡሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ንቤት ጽሕፈት ኤንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ንኩሎም ኣብዚ ፈታኒ እዋን ብተወፋይነት ንህዝቦም ኣገልግሎት ክህቡ ብጉጅለታት ዝተወደቡ ብስም ኩልኩም ኤርትራዊያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ሃገራዊ ምስጋና ነቅርበሎም።
ብዚያዳ ነዚ መደብ ንሞዕዋቱ ድማ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራዊያን ዓባይ ብሪጣኒያ ሎሚ 22 መጋቢት 2020 ብመገዲ ቴለ ኮንፈረንስ ኣኬባ ከተካይድያ።
ኹሉ ንክፈልጥን ኣብ ኩሉ ንክባጻሕ ሼር ብምግባር ንተሓባበር።
‘ኣገዳሲ ሓበሬታ’
ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ
ኩልና ፈሊጥናዮ ከም ዘለና ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብቁልጡፍ እናተላበዐ ይመጽእ ብምህላው ብዛዕባ ንምክልካሉ ክግበር ዝግብኦ ጥንቃቄታት መግለጺታት ሓበሬታታትን ክውሃብ ምጽንሑ ኩልና እንፈልጦ’ዩ።
ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ካብ ክረክብዎ ዝግባእ ሕክምናዊ ረድኤትን ካልእን ሓገዝን ንከይትርፉ ከይሽገሩን ምስ ዝምልከቶ ኣካላት ጥዕናን ካልእ ትራኪቦም ዘለዎም ጸገም ከረድእሎምን ዘድሊ ሓገዝን ንክረክቡን መታን ክክእሉ -እዞም ኣስማቶምን ቁጽሪ ሞባይሎም ተጠቅሶም ንዘለው ከይተሰከፍኩም ብምድዋል ክትረክብዎምን ክትሓጋገዝኩምን ተዳሊዮም ኣለው።
ሚካኤል ያቆብ: 07397537086
ዳሊያ ስሌማን: 07495 271217
ደሊና ተድሮስ : 07850 291339
ሄለን ሄኖክ : 07932931782
መርሃዊት ገብረ: 07903084160
ኣስመረት ሃይለ: 07702 595676
“ሓድሕዳዊ ሓሊዮትን ምትሕግጋዝን
ኤርትራዊነት ደሚቁ” ከሙኡ’ዩ ባህልና
*****************************
ኤርትራዊያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዘለናዮ እዋን ዘርእይዎ
ፈታኒ እዋን ኣካል ናይቲ ንዘርእይዎ ዘለው ሓድሕዳዊ ሓሊዮትን ምትሕግጋዝን –
ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ከተማ በርሚንግሃም እትነብር ወናኒት ቤት መግቢ ሳቫና ኤርትራዊት ኣደ ፥ ወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንምስሳን ማዕከ ምክልካል ኮሮና ቫይረስን ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዝገበረቶ ገንዘባዊ ኣበትክቶ –
ንሓሙስ 9 ሚያዚያ 2020 ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዝርከቡ ፥ ሕጽረት ገንዘብ ይኩን ናይ ጥዕና ጸገም
ንዘለዎምን –
መንእሰያት ኣቦታት ኣዴታት ስድራ ቤታትትን ብሓፈሻ ንዝተጸገሙ ብነጻ ንገዝኦም ዝወስድዎ ሱሩሕ መግቢ ኣገልግሎት ክትሕብ ምኳናን ከይተሰከፉ ክመጹ –
ንሃገራዊ ኤርትራዊ ኮሚኒቲ ከተማ በርሚንግሃም ከም ዝሓበረት ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።
ወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ ካብ ሃገራዊ ህዝባዊ መከተ ዘይትፍለ ኤርትራዊት ኣደ’ያ።
ከምዚ ዝዓይነቱ ኩቡር ኤርትራዊ ባህሊ ክዕንብብን ኩሉ ክስዕቦ ዝግባእ መግለጽን መለለይን ጥምረትናን ክብርታትናን’ዩ።
ኣብዛ ብዓመጽን ብጫውጫውታን ሽብድብድን ዝተመልኤት ዓለም ዘጋጥመካ ብድሆታት ቀዲምካ ስለ ዘይፍለጥ ወትሩ
ኮሚኒትና ከነማዕብልን ከነሓይልን ይግባእ።
በዚ ኣጋጣሚ ብስም ኩልኩም ኤርትራዊያን ንወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ ስለቲ ኣብነታዊ ተበግሱኣ ነመስግን።

“ንኩሉኩም ኤርትራዊያን ነበርቲ
ዓባይ ብሪጣኒያ ኣየርላንድን”
***********^^^*****
ኩልና ፈሊጥናዮ ከም ዘለና ብደረጃ ዓባይ ብሪጣኒያን ኣየርላንድን ሽማግለ ሓይሊ ዕማም ንመከተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ብወግዒ ቆይማን ፥ በዚ መሰረት ድማ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓባይ ብሪጣኒያ ብተመሳሳሊ –
ሓይልታት ዕማም ንኮሪና ቫይረስን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቆይመን –
* ሓገዝ ዘድሊዮም ዜጋታት ኣብ ምትሕግጋዝ
* ኩሉ ኤርትራዊ ድህነቱ ክሕሉ ምንቅቃሕን
* ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ኣዕናውን ቀዛፍን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካልን ንሚኒስትሪ ጥዕናን ብሓፈሻ ሃገርና ንምሕያል ገንዘባዊ ወፈያ ኣብ ምትእክካብ ይነጥፉ’ለው።
ብወገን ኤርትራዊያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣኒያ ዝርኤ ዘሎ ዘሓብን ወፈያታት ንማዕከን ምክልካል ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገርና ውን ብሓያል ሃገራዊ ፍቅሪ ይቅጽል ኣሎ።
ኣብ ከከተማታትኩም ቆይመን ናይ ዘለዋ ሓይሊ ዕማማትን
ጉጅለታት ምትሕግጋዝን ሓሊዮትን ኑጹር ዝርዝር ኣስማትን
ቁጽሪ ቴሌፎናቶምን እንሆ ብጹፉፍ ተዳሊዩ ቀሪቡልኩም ኣሎ።
ዘይሕለል ደገፍኩምን ገንዘባዊ ሓገዝኩም እተበርክቱሉ ሕሳብ ቁጽሪ ባንኪ ውን እንሆ ፥ ንድሕነት ህዝብናን ሃገርና
ግዴና ነበርክት።
“ሕሳብ ባንኪ”
***********
* Bank Account Details @Lloyds Bank:
* Account number: 64520360
* Sort Code: 30-98-97
(Account name: Eritrean Youth Association)
Eritreans in the UK Fights COVID-19
ሓይሊ ዕማም መከተ ኣንጻር ኮሮና
ቫይረስ ኮቪድ 19 “ዓባይ ብሪጣኒያ”
ዓወት ንሓፋሽ
ሓይሊ ዕማም ንመከተ ኮሮና ቫይረስ
ዓባይ ብሪጣኒያ ኣየርላንድን
“ብጻይካ ንዘለዎ ጊዚያዊ ጸገም እንተ ኪኢልካ ፉጹም
ምፍታሕ ፥ ካብ ኤርትራዊ ክብርታት ሓደ’ዩ እንሆ
ኣብዚ ፈታኒ እዋን ጎሊሑ ይርኤ”
******************************
ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ከተማ በርምኒግሃም እትነብር ወናኒት ቤት መግቢ ሳቫና ኤርትራዊት ኣደ ወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ
ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ሓገዝ ንዘድሊዮም ንልዕሊ 100
ኤርትራዊያን –
መንእስያት ፥ ኣቦታት ፥ ኣዴታትን ሎሚ 9 ሚያዝያ 2020 ዝተፈላለየ ዓይነታት ምግብታት ብምድላው ንምትብዖም
ብነጻ ከም ዝዓደለት –
ሓይሊ ዕማም መከተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ከተማ በርሚኒግሃምን ከባቢኣን ንምስንዳእ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ሓቢራ።
ንወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ ስለቲ ኣብነታዊ ልግሳን ሓሊዮታን ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚኒቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ብሓፈሻ ብስም ኩሎም ኤርትራዊያን ሉዕሉ
ምስጋና ነቅርበላ።
ከም’ዚ ዝዓይነቱ ናይ ምትሕግጋዝ ኩቡር ክብርታትና ኩሉ ክስዕቦን ኮሚኒቲ ኣብ ምሕያል ኣብነታዊ መሪሒ ተራ
ከበርክቱ ይግባእ።
ኤርትራዊ ኮሚኒት ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ቀጻሊ
ሓያልን ኣብነታውን ሃገራዊ ንጥፈታት ከም ዘካዩዱ
ይፍለጥ።
በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣኒያ ምስ ኣብ ከከባቢኡ ቆይመን ምስ ዘለዋሓይሊ ዕማም መከተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ክትሓባበርን –
ንድሕነት ሕዝብን ሃገርን ኣብ ንዝብሮ ዘሎ ወፈያ ብዝሓየለ
ክደፍኣሉን ዘርእዮ ዘሎ ሓድሕዳዊ ሓሊዮት ከዕቢዮን ክዕቅቦን ድሕነቱን ድሕነት ስድራቤቱን ክሕሉ ንላቦ ።
ሃገርካን ህዝብካን’ዩ ክብረት





