ብጻይካ ንዘለዎ ጊዚያዊ ጸገም እንተ ኪኢልካ ፉጹም ምፍታሕ ፥ ካብ ኤርትራዊ ክብርታት ሓደ’ዩ እንሆ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ጎሊሑ ይርኤ
ብጻይካ ንዘለዎ ጊዚያዊ ጸገም እንተ ኪኢልካ ፉጹም
ምፍታሕ ፥ ካብ ኤርትራዊ ክብርታት ሓደ’ዩ እንሆ
ኣብዚ ፈታኒ እዋን ጎሊሑ ይርኤ”
******************************
ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ከተማ በርምኒግሃም እትነብር ወናኒት ቤት መግቢ ሳቫና ኤርትራዊት ኣደ ወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ
ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ሓገዝ ንዘድሊዮም ንልዕሊ 100
ኤርትራዊያን –
መንእስያት ፥ ኣቦታት ፥ ኣዴታትን ሎሚ 9 ሚያዝያ 2020 ዝተፈላለየ ዓይነታት ምግብታት ብምድላው ንምትብዖም
ብነጻ ከም ዝዓደለት –
ሓይሊ ዕማም መከተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ከተማ በርሚኒግሃምን ከባቢኣን ንምስንዳእ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ሓቢራ።
ንወይዘሮ ፉሩቱና ደበሳይ ስለቲ ኣብነታዊ ልግሳን ሓሊዮታን ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚኒቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ብሓፈሻ ብስም ኩሎም ኤርትራዊያን ሉዕሉ
ምስጋና ነቅርበላ።
ከም’ዚ ዝዓይነቱ ናይ ምትሕግጋዝ ኩቡር ክብርታትና ኩሉ ክስዕቦን ኮሚኒቲ ኣብ ምሕያል ኣብነታዊ መሪሒ ተራ
ከበርክቱ ይግባእ።
ኤርትራዊ ኮሚኒት ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ቀጻሊ
ሓያልን ኣብነታውን ሃገራዊ ንጥፈታት ከም ዘካዩዱ
ይፍለጥ።
በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣኒያ ምስ ኣብ ከከባቢኡ ቆይመን ምስ ዘለዋሓይሊ ዕማም መከተ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ክትሓባበርን –
ንድሕነት ሕዝብን ሃገርን ኣብ ንዝብሮ ዘሎ ወፈያ ብዝሓየለ
ክደፍኣሉን ዘርእዮ ዘሎ ሓድሕዳዊ ሓሊዮት ከዕቢዮን ክዕቅቦን ድሕነቱን ድሕነት ስድራቤቱን ክሕሉ ንላቦ ።

ሃገርካን ህዝብካን’ዩ ክብረት
