ERi-TV, Eritrea – መልእኽቲ መኸተ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሎሚ 18 ሚያዝያ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዘመሓላለፎ ‘መልእኽቲ መኸተ’፡ ዘሎናዮ ፈታኒ እዋን፡ ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ስራሕን መኪትና ክንሰግሮ ግድነታዊ ሓላፍነት ምዃኑ ገሊጹ።

“ሕማም ኮሮና ቫይራስ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም፡ ብኹሉ መለክዒታት ዘይተገመተ – ሃንደበታዊ ኲናት እዩ። ብዛዕባ መበቈሉን ኣመጻጽእኡን ኰነ ናበይ ኪምዕብል ከምዝኽእል ንፈልጦን ክንግምቶ ንኽእልን ስለዘየለ፡ ብዘይካ “ምርጋጥ” ምሕያል፡ ሕርያ የለን”

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ “ማዕረ መኸተ ንኲናት ኮሮና፡ መኸተ ልምዓትና ኣሐዪልና ክንሰርሕ ኢና። ለበዳ ኮሮና ኣተኲሮና ኪዘርግ፡ ከሰንፈናን ኪመልከናን ስለዘይብሉ፡ ተታሓሒዝናዮ ዝጸናሕና ልምዓታዊ መደባት ብዓጸፋ ከነሕይሎም ክንሰርሕ” ምዃንና ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ከም ወትሩ፡ ንዘመስከርዎ ሱታፌ ኣመስጊኑ። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከኣ “ርሑስ ፋሲካ፡ ብሩኽ ሮሞዳን – ምስ ጥሉል ክራማት” ተመንዩ።

A MESSAGE TO THE PEOPLE OF ERITREA #እምባሕ
====================================

In his message (broadcast through Eri-TV/Radio Dimtsi Hafash) to the Eritrean people inside the country & abroad today, President Isaias Afwerki stressed that it is incumbent on all of us to emerge triumphant in these trying times by marshalling the requisite awareness/hard toil.

President Isaias noted that the global threat posed by the pandemic (COVI-19) is analogous to a sudden war, without any parallel in our contemporary times, that has been declared without any warning or prediction by all standards.

President Isaias further stated that in spite of the grave danger that COVID-19 poses, we have to ensure that it does not overwhelm or paralyze us and derail the development programmes we have embarked on with redoubled efforts and in tandem with the fight against this pandemic.

Translate »