Eritreans in the USA contributed more than 3.8 million Dollars in 20 days ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ኣብ 20 መዓልቲ ንመኸተ ኮሮናቫይረስ $3,800,000.00 ሚልዮን ዶላር ኣወፍዮም!

ኣብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሓላፊት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ብጸይቲ
ሓድነት ቀለታ –

ብምክኒያት ህዝባዊ መከተ ንለበዳ ንኮሮና ባይረስን ኣመልኪታ ምስ ኣገልግሎት ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ
ዝገበረቶ ቃለ መሕትት –

ኤርትራዊያን ነበርቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት –

ብሉዑል ሃገራዊ ፍቅሪ 3.8 ሚሊዮን ኣሜሪካ ዶላር ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ከም ዘበርከቱን -እቲ ዘሓብን አበርክቶ ቀጻሊ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ብጸይቲ ሓድነት ቀለታ ብተመሳሳሊ ኣብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ‘ ኤርትራዊያ ፥ በብሃገራቶም ብዝቆማ
ሓይልታት ዕማም ንመከተ ኮቪድ 19

ብተመሳሳሊ ወፈያታት ይግበር ከም ዘሎ ብመገዲ ድምጺ ሓፋሽ ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ሓቢራ።

ንሕና ከለና መን ወሪርዋ ክንብል ሃገርና – ሃየ ሃገርናን ህዝብናን – ንምድሓን ዓቅምና ዝፈቀዶ ብምብርካት
ሳቮያ ብማለት ታሪካዊ ሓድጊ ንዛዝም።

Translate »