ካብቶም 39 ብኮሮና ቫይረስ ተለኪፎም ኣብ ትሕቲ ክንክን ሕክምና ዝጸንሑ 13 ሙልእ ብሙሉእ ሓዊዮም
ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
ሰለስተ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዘድልይ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ፡ ካብቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ፡ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም። ብ18 ሚያዝያ 2020’ውን፡ ሰለስተ ካልኦት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተፋንዮም ምንባሮም ይዝከር። ስለዚ፡ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ 39 ዜጋታት እቶም ሽዱሽተ ተፋንዮም ኣለዉ።
ጥዕናን ድሕነትን ልዕሊ ኹሉ!
ሚኒስትሪ ጥዕና
21 ሚያዝያት 2020





